መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ሞቛድሾ በረራ ክጅምር’ዩ

መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ሞቛድሾ በረራ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 19 March 2015

qatar and soma

መንገዲ ኣየር ቀጠር ከም መቀጸልታ ናይቲ፣ ኣብ ጅቡትን ኤርትራን ዘካይዶ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ናብ ሶማል’ውን ሓድሽ መስመር ክጅምር’ዩ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዓብድርሺድ ዓሊ ሻርማርክ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ዑደት ብምክይያድ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዘካይድ ዘሎ እንኮ ኣህጉራዊ መንገዲ ኣየር ቱርኪ ጥራይ’ዩ።

ዕዳጋታቱ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘስፍሕ ዘሎ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ብፍላይ ነቲ ናይ ጅቡትን ኤርትራን ኣብ ሓደ መስመር ከተኣሳስሮ ከምዝሕልን’ዩ ዝንገረሉ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0