ሱዳን: ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ፣ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበሉ ናይ ዘተ ሰላም ዕድመ ነጺጉ

Radio Erena: 21 November 2021

ኣብ ሱዳን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ፣ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበሉ ናይ ዘተ ሰላም ዕድመ ነጺጉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንመሓመድ ኣል-ሓሰን ለባት ከም ወኪሉ ብምልኣኽ፣ ምስቲ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ብምዝርራብ ናይ መዛተዪ ባይታ ንምጥጣሕ ብዕለት 18 ሕዳር ናብ ከተማ ካርቱም ክኣቱ እዩ ትጽቢት ተገይሩሉ ኔሩ።
እንተኾነ እቶም ወተሃደራውያን ሰበስልጣን፣ ‘ሱዳን ናይ ገዛእ ርእሳ ጸገማት ክትፈትሕ ብቕዓት ኣለዋ’ ብምባል ነቲ ናይ ሽምግልና እማመ ከምዘይተቐበሉዎ፣ ማዕከን ዜና ኣል-ዓረቢያ ካብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዘመሓለለፎ ዜና ኣመልኪቱ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፣ ንሱዳን ካብ ኣባልነት ብምድስካሉ፣ እቲ ሕብረት መንጎኛ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ክብሉ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።
ብኻልእ ወገን ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዱ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ንዝፈጸምዎ ግፍዒ ዝምርምር ኣህጉራዊ ኮሚሽን ክቐውም ጸዊዑ።
እቲ ብበርጌሳውያን ትካላት ሰብ ሞያ ዝቖመ ልፍንቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ 15 ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ካልኦት 80 ከኣ ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።
እዚ ብላዕለዎት ሰበስልጣን ሰራዊት ዝቖመ ጉጅለ፣ ምስ ዝወደቐ ስርዓት ኣልበሽር ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዎን፣ ኣብ ስልጣን እንተቐጺሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘውርዶ ግፍዒ ክቕጽል ከምዝኾነን ዘርእይ እኹል ኣብነት ሂቡና ኣሎ ክብል’ዩ እቲ ናይ ልፍንቲ ምንቅስቓስ ዝኸስስ።
እቲ ክቐውም ዝሕተት ዘሎ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዘድልዮ መንቀሳቐሲ ባጀት ክዳለወሉ፣ ገበነኛታት ኮይኖም ዝረኸቦም ከኣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከሕልፎም ስልጣን ክወሃቦ ዝጠልብ እማመ እውን ይርከቦ።
ብቕትለት’ዞም 15 ሰላማውያን ሰባት ዝኽሰስ ዘሎ ትካል ጸጥታ ነቲ ጉዳይ ኣይወዓልኩዎን ክብል እንከሎ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ቃል ከኣ፣ እቶም ዕጡቓት፣ ሲቪል ክዳውንቲ ለቢሶም ምስቲ ሰልፈኛ ተጸምቢሮም ከምዝነበሩ ኣመልኪቶም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0