“ሱዳን ምስ እስራኤል ዝምድና ኣይክትምስርትን’ያ’” ም/ፕረዚደንት ሱዳን

“ሱዳን ምስ እስራኤል ዝምድና ኣይክትምስርትን’ያ’” ም/ፕረዚደንት ሱዳን

Radio Erena: 02 February 2016

Sud Vi

ሱዳን ምስ እስራኤል ዝኾነ ዝምድና ከምዘይትምስርት ኣረጋጊጻ።

ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ሓሳቦ መሓመድ ዓብደራሕማን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ንድሌት ህዝቢ ከምዘይጠልም ብምጥቃስ፣ ምስ እስራኤል ዝምድና ናብ ንቡር ናይ ምምላስ መደብ ከምዘየሎ ኣረዲኡ።

መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ሱዳን ኣብ ዝቕጽሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ሱዳን ምስ እስራኤል ዝምድና ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

 

ኣብቲ ሃገራዊ ዕርቂ ዘይሳተፋ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ሰለፍታት ሱዳን’ውን፣ ምስቲ መንግስቲ ካብ ዘየሰማምዐን ነጥብታት ሓደ ጉዳይ እቲ ምስ እስራኤል ክህሉ ዝድለ ዝምድና ምዃኑ’የን ክገልጻ ጸኒሐን።

ብዛዕባ’ዚ ብወገን ዝስማዕ ዘሎ ተኽእሎ ዝምድና ምስ እስራኤል ብዝምልከት፣ ካብ ወገን መንግስቲ እስራኤል ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

እስራኤል ብዘይካ ምስ ግብጺ ዳርጋ ምስ ኩለን ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝምድና ከምዘይብላ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ’ዚ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ኢራን ወሲደንኦ ብዘለዋ ዲፕሎማስያዊ መርገጺ፣ እስራኤል ከም ስልታዊ መሻርኽታ ኣብ ጉዳይ ኢራን ከምእትጥምተን ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ የረድኡ።

እስራኤል፣ “ካብ ኢራን ዝተላእከ ኣጽዋር ይኽዘነሉ’ዩ፣” ንዝተባህለ ቦታ ኣብ ካርቱም ዝሓለፈ ዓመት ከምዘጥቕዐት ዝዝከር’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወስደ ተበግሶ፣ ሱዳን’ውን ምስታ ብእስራኤል ከም ቀዳመይቲ ተጻባኢት እትግለጽ ኢራን ዝምድና ምብታኻ፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝጸንሖ ስልታዊ ኣጠማምታ ቀይሩ ክኸውን ከምዝክእል ይንገር።

እስራኤል ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ሃገራት ፣ ምስ ኤርትራ ዝሓሸ ግና ሰላሕታዊ ዝምድና ከምዘለዋ’ዩ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለጽ።

=========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0