ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝተኻየደ ቀቢላዊ ግጭት 20 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝተኻየደ ቀቢላዊ ግጭት 20 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 February 2016

Gambella

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ኣኝዋክን ኑዌርን ብዝተጋሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጻ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ 28 ጥሪ ዝፈለመ ግጭት ንጽባሒቱ ዓርቢ’ውን ቀጺሉ ከምዝወዓለ ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፣ ጠንቂ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ብዝተላዕለ ናይ መሬት ምስሕሓብ’ዩ ዝብል ግምታት ከምዘሎ ጠቒሳ።

እቲ ግጭት ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ክልል ጋምቤላ ናብ ዝርከቡ ተወላዶ ክልትኤን ቀቢላታት ከምዝልሓመ’ውን ንምንጭታታ ብምጥቃስ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

 

ኣብቲ ግጭት ሓያሎ ዝቖሰሉ ክቆስሉ እንከለዉ ኣብ ንብረት’ውን ዕንወት ወሪዱ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ኣኝዋክን ኑዌርን ዝተባህሉ ዓሌታት ክልል ጋምቤላ ብሰንኪ ናይ መጋሃጫ መሬት ቀጻሊ ከምዝጋጨውዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጎሃሃረ ግጭት’ውን ኣብ ካልእ ከባቢታት ክልል ጋምቤላ ናብ ዝርከቡ ተወላዶ እቲ ቀቢላታት ከይልሕም ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ይንገር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0