ሱዳን፣ ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ ክብል መሰጋገሪ መንግስቲ ገሊጹ

Radio Erena: 21 September 2021

ኣብ ሱዳን፣ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተኻየደ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢራ።

እቲ ብሰሉስ 21 መስከረም ተኻይዱ ዝተባህለ ፈተነ ዕልዋ፣ ብደገፍቲ ስርዓት በሺር ዝተወሃሃደ ምዃኑ፣ ንመግለጺ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብምጥቃስ እታ ቴሌቪዥን ኣቃሊሓ።

ሰራዊት ንኩሉ ኩነታት ተቖጻጺሩ፣ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጸጥታን ርግኣትን ከምእትርከብ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ካርቱም፣ ካብ ወጋሕታ ኣትሒዙ ብታንክታት ዝተሰነወ ሰራዊት ብጻዕቂ ክንቀሳቐስ ከምዝተራእየ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምውካስ ሮይተርስ ገሊጹ።

ኣብ ናይ መሰጋገሪ እዋን እትርከብ ሱዳን፣ ስርዓት በሺር ካብ ሚያዝያ 2019 ካብ ዝእለ ንደሓር ጥራይ፣ ክልተ ግዜ ፈተነ ዕልዋ ክካየድ እንከሎ፣ ሓንሳእ ድማ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ፈተነ ቅትለት ተፈጺሙ።

ስእሊ፡- ካብ ኣልጀዚራ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0