“ኣብ ማይዓኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝነብሩ ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን፣ ብዘይ ናይ መግብን ማይን ረዲኤት፣ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕን ሰለስተ ሰሙንን ጌሮም።”

Radio Erena: 21 September 2021

ኣብ መዓስከራት ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን በደልን ደው ክብል ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ብሰኑይ 20 መስከረም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ፍታሕ ከናድየሎም ጸዊዑ።

ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ ‘ቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝኾኑ፣ መርጌታ ሰለሙን፣ ንራድዮ ኤረና ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ እዞም ኣብዘን ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን፣ መሰረታዊ ቀረባት ማይን መግብን ከምኡ ድማ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናን ከይረኸቡ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕን ሰለስተ ሰሙንን ጌሮም ምህላዎም ኣተሓሳሲቦም።

እዞም ኣብ ኵናት ተቐርቒሮም ዘለው ኤርትራውያን፣ ናብ ውሕሱ ቦታ ንምግዓዞም ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እጃሙ ከበርክት ንምሕታት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ወገናቶም፣ ሰለማዊ ሰልፊ ብምውዳብ፣ ድምጾም ከምዘስምዑ መርጌታ ሰለሙን ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

መርጌታ ሰለሙን፣ ብቴሌፎን ንራድዮ ኤረና ዝሃብዎ ተወሳኺ መብርሂ እንሆ፣-

COMMENTS

WORDPRESS: 0