ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ መበል 88 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 21 September 2021

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ ሰንበት 19 መስከረም ክሳብ ሰንበት 26 መስከረም፣ ኣብ ቤልጁም ዝካየድ ዘሎ መበል 88 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ትሳተፍ ኣላ።

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን ተመሪሓ ናብ በልጅዩም ኣቕኒዓ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሎሚ ሰሉስ 21 መስከረም፣ ኣብ መንጎ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መንጐ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ውድድር ክሮኖሜትር ክትጽመድ’ያ።

ረቡዕ 22 መስከረም ድማ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሓናፊጾም፡ 44.5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሽፍን ናይ ሪለይ ወይ ከኣ ምቅብባል ውድድር ክሮኖሜትር ከካይዱ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ሓሙስ የዕሪፉ ድሕሪ ምውዓል፡ ዓርቢ 24 መስከረም፣ 121 ኪሎ ሜትር ብዝርሕቐቱ፡ ውድድር ጽርግያ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮን 160.9 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዘለዎ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮን ውድድር ጽርግያ ክሳለጥ እዩ።

ኣብ’ዚ ቅድድም፣ ኤርትራ ንሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ጴጥሮስ መንግስን ኤፍሬም ገብረሂወትን ኣብ መስርዕ ውድድር ከተሰልፍ እያ።

ኣብ ጽቡቕ ቁመናን ብቕዓትን ዝርከቡ ሄኖክ፡ ቢንያምን ናትናኤልን፣ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ተደጋጋሚ ዓወታት ኣመዝጊቦም’ዮም።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ደሴት ኪዳነ፡ ብስራት ገብረመስቀልን ኣድያም ተስፋኣለምን ብሸነኸን፡ ቀዳም 25መስከረም፣ 157.7 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝጓዓዝ ውድድር ጽርግያ ክካፈላ እየን።

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ሰንበት 26 መስከረም ኣብ ዝሰላሰል ናይ መዛዘሚ ናይ ጽርግያ ውድድር ሲንየር ደቂ ተባዕትዮ፣ ዓበይቲ ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ናትናኤል ብርሃነ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል እዮብን ዳዊት የማነን ንኤርትራ ወኪሎም ክርከቡ’ዮም።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0