ሱዳን፣ ክፍትሑ ካብ ዝተባህሉ ልዕሊ 88 ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ኣስታት 17 ጥራይ ተፈንዮም

Radio Erena: 11 May 2022

ሱዳን፣ 17 ናይ ፖለቲካ እሱራት ተፈቲሖም።

ራድዮ ዳባንጋ ካብ ፓሪስ፣ ንሓደ ካብ ጠበቓታት ብምጥቓስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እቶም 16 ኣብ ካርቱም ካብ ዝርከብ ‘ሶባ’ ዝተባህለ ቤት ምእሰርቲ ክፍትሑ እንከለዉ፣ ሓደ ድማ ካብ ፖርት ሱዳን’ዩ።

እንተኾነ፣ ልዕሊ 70 ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ዛጊት ከምዘይተፈትሑ’ዩ እቲ ጸብጻብ ኣነጺሩ።

ካብቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ተባሂሎም ተታሒዞም ዘለዉ ሱዳናውያን፣ ኣንጻር ‘ቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ንሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ቀቲልኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝርከብዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ወትሃደራዊ መራሒ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ምዃኖም ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዛጊት ዝተፈትሐ እሱር ከምዘየለ’የን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ክገልጻ ጸኒሐን።

ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር፣ ሱዳን፣ ናብ ሕሉፍ ምልኪ ዶ ናብ ደሞክራሲ? ኣብ ቀራና መንገዲ በጺሓትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ምስ በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ፖለቲካውን ውድባትን ሰልፍታትን ብልፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም ዝተሰማመዐ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ስልጣን ከይብሕት፣ ኣንጻሩ ንልዕሊ ኣርባዕት ኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0