ኤርትር ዝመበቆላ ፕሮፌሰር ኣስመረት፣ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ስነ-ፍልጠት ኣመሪካ ኮይና

Radio Erena: 12 May 2022

ባይቶ(ሰኔት) ሕ.መ.ኣመሪካ፣ ኤርትራ ንዝመበቆላ፣ ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ስነ-ፍልጠት(ሳይንስ) ኣብ ፈደረላዊ ክፍሊ ጸዓት ክትከውን ኣጽዲቑ::

ፕሮፌሰር ኣስመረት፣ ነቲ ቤት ጽሕፈት ክትመርሕ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ እያ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተረቑሓ ጸኒሓ::

ቤት ጽሕፈት ስነ-ፍልጠት ኣብ ፈደረላዊ ክፍሊ ጸዓት ኣብ ምምዕባል ጸዓት መሰረታዊ ስነፍልጠታዊ መርምር ዘካይድ መንግስታዊ ትካል እዩ::

እዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ብፕሮፌሰር ኣስመረት ክምራሕ እዩ::

ፕሮፌሰር ኣስመረት፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባህርያዊ ስነ-ፍልጠታት(school of national sciences) ኣብ ዓውዲ ኣከባብያዊ ስነ-ፍልጠታት (environmental sciences) ኣብ ትምህርቲ ስነ-ቅመም ሂወታውያን ኣብ ሓመድ (soil biochemistry) ውርይቲ ተመራማሪትን መምህርን’ያ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ – ኤርትራ ዝተወልደት ፕሮፌሰር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ፣ ተመራማሪት ስነ-ቅመም ሂወታውያን ኣብ ሓመድን ፖለቲካዊ ኢኮሎጂስትን እያ::

ፕሮፌሰር ኣስመረት ናይ መጀመርታ ዝለዓለ ትምህርታ ብስነ-ፍልጠት ሓመድን ምዕቃብ ማይን ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተማሂራ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0