መራሕቲ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምምካት ምድረበዳነት ኣብ ኣይቮሪኮስት ተኻይዱ

Radio Erena: 10 May 2022

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዓመታዊ 12 ሚልዮን ሄክታር መሬት ይባድም ወይ ድማ ናብ ምድረ በዳ ይልወጥ።

እዚ ስፍሓት እዚ፣ ክንዲ ቤኒን ወይ ቤልጂም ምዃኑ’ዩ።

40% ካብ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት ዓለምና፣ ዝባደመ ወይ ምስፍሕፋሕ ምድረበዳ ዘንጸላለዎ ኮይኑ ከምዘሎ ዝገልጽ ሕቡራት ሃገራት፣ ነዚ ንምምካት ምስ ኣከባቢ ዝተሓሓዙ ዋዕላታት ይውድብ’ዩ።

ሓደ ካብዚ ዋዕላ’ዚ ድማ፣ ብ09 ግንቦት፣ ኣብ ኣይቮሪኮስት፣ ከተማ ኣቢጃን ዝተኸፍተ ኮይኑ 196 ሃገራት ይሳተፍኦ ኣለዋ።

ኣብ መኽፈቲ’ዚ ንምምካት ምድረበዳነት ዝዓለመ መበል 15 ዋዕላ መሻርኽቲ ወይ COP 15፣ ፕረዚደንታት ጂቡቲ፣ ቻድ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ቶጎ፣ ጋና፣ ሞሪታንያን ላይበርን ዝርከብዎ ብውሕዱ 9 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣካል ክሳተፉ እንከለዉ፣ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ድማ ብመንገዲ ቪድዮ ኮንፈረንስ ተሳቲፍም።

ን10 መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ እዚ ዋዕላ፣ ክኢላታት፣ ተመራመርቲ፣ ፈጸምቲ ኣካላትን መሻርኽቲን ናይ 196 ሃገራት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘተን ክተዓት ከተኣናግድ’ዩ።

ኣብ መዛዚሚ እቲ ዋዕላ፣ ዓለምና ኣንጸላልዩዋ ካብ ዘሎ ሓደጋ ምድረበዳነት ንምድሓን ክውሰዱ ዝግብኦም ግብራዊ ስጉምታት፣ ብመልክዕ እማመ ክቐርብ ትጽቢት ኣሎ።

ዓለምና ገጢሙዋ ካብ ዘሎ ናይ ኣከባቢ ብድሆታት ሓደ፣ ምስፍሕፋሕ ምድረበዳነት’ዩ።

ንኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ፣ ልምዓት፣ መብሰሊ መግቢ፣ መስርሒ ኣባይትንን ካልእን ተባሂሉ፣ ዓመታዊ ዝበርስ ኣግራብ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ምስፍሕፋሕ ምድረበዳነት’ዩ።
====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0