ሱዳን፣ ካብ እስራኤል ንዝተጠረዘ ዜጋኣ ብክሲ ስለያ ኣብ ቀይዲ የእትያ

ሱዳን፣ ካብ እስራኤል ንዝተጠረዘ ዜጋኣ ብክሲ ስለያ ኣብ ቀይዲ የእትያ

Radio Erena: March 24, 2014

Isra Sudan

ሱዳን ንእስራኤል ክስሊ ጸኒሑ ዝበለቶ ዜጋኣ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ኣል ኢንጢባህ ዝተባህለት ጋዜጣ ብምጥቓስ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

እቲ መንነቱ ብጽኑር ዘይተሓበረ ሱዳናዊ፣ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ እስራኤል ብስደት ክነብር ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እስራኤል ናብታ ሃገር ዝጠረዞቶም ሱዳናውያን ዜጋታት ሓደ ምዃኑ’ዩ እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ ሓቢራ።

ሱዳን ኣብ ልዕሊ’ቶም ካብ እስራኤል ዝተጠረዙ ዜጋታታ ጽኑዕ ምክትታል ከምእተካይድ ዝጠቐሰ ዮርሳሌም ፖስት፣ እዚ ብክሲ ስለያ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ጽኑዕ ምጽንጻንን ምክትታልን ክካየደሉ ዝጸንሐ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

እቲ ብኣባላት ጸጥታ ሱዳን ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ሱዳናዊ፣ ወትሃደራዊ ዒላማታን ካልእ ኣገደስቲ ትካላት ሱዳንን እናተኸታተለ ናብ ኣባላት ስለያ እስራኤል ከሰጋግር ጸኒሑ ዝብል ክሲ’ዩ ተመስሪትሉ ዘሎ።

 

ኢራን፣ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ ኣጽዋር ትኽዝነሉ መዓስከር ኣለዋ ዝብል እምነተ ዘለዎ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ጽኑዕ ስለያዊ ምክትታል ከምዘካየድ’ዩ ዝፍለጥ። ቅድሚ ክልተ ዓመት’ውን ኣብ ወትሃደራዊ ዒላማታት ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ኣይርሳዕን።

እስራኤል፣ ካብ ኢራን ናብ ዕጡቃት ፍልስጤም ዝተላእከ’ዩ ዝበለቶ ኣጽራር ዝጸዓነተ መርከብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራን ሱዳን ድሕሪ ምሓዛ፣ ኣብ ክሊ ማይ ኤርትራን ሱዳንን ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ፖርት ሱዳን ስለያዊ ምጽንጻን ኣሓይላ ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0