ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ኣፍሊጦም

ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ኣፍሊጦም

Radio Erena: March 21, 2014

south Su

ብሬክ ማሻር ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ ደቡብ ሱዳን ፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ወከልቲ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ፑት ካንግ ኮል ብዛዕባ’ዚ ብጎረባብቲ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ብኢትዮጵያ ዝቐረብ ዘሎ ክሲ ኣመልኪቱ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ዝምድና የብልናን። ዝተዘራረብናዮ ነገረ’ውን የለን ክብል’ዩ ገሊጹ።

እንተኾነ ኤርትራ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ትዕዝብቲ ናይ ምግላጽ መሰል ከምዘለዋ ኣረዲኡ።

 

ካብዚ ሓሊፉ ግና ካብ ኤርትራ ኣጽዋር ተቐቢልኩም ዝብል ክሲታት መሰረት ዘይብሉ ሓሶት’ዩ ክብል ነጺግዎ።

ኤርትራ ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ትድግፍ ኣላ ዝብል ወረ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክዝርግሕ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ መንግስቲ ኤርትራ፣ መርገጺኡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንጹር ስለዝኾነ እቲ ዝቐረብ ዘሎ ክሲ ተራ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳ’ዩ ክብል’ዩ ተቓዊምዎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ይኹን ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ዘካይዶ ዝርርብ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከምዝድግፍ ብወግዒ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0