ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ዘካይዶ መበል 25 ስሩዕ ኣኼባ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ክዝቲ’ዩ

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ዘካይዶ መበል 25 ስሩዕ ኣኼባ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ክዝቲ’ዩ

Radio Erena: March 24, 2014

Arab League

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ንመበል 25 ስሩዕ ዋዕላ ንምድላው ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ሓደ ካብ ዝዝተየሉ ዛዕባታት፣ እቲ ገና ፍታሕ ዘይረኸበ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ምዃኑ ምግላጾም ኣገልግሎት ዜና ኩዌት ሓቢሩ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብቲ ትማሊ 23 መጋቢት ዘካየድዎ ናይ ምድላው ኣኼባ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንሓያሎ ዓመታት ዘካትዐ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ፣ ከምኡ ድማ እዋናዊ ጉዳያት ሶራያ፣ ደቡብ ሱዳንን፣ እቲ ካብ 2008 ኣትሒዙ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ መዕለቢ ዘይረኸበ ጉዳይ ኤርትራን ጁቡትን’ውን ከም ኣጀንዳ ክልዓል ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

 

ንጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ብሽምግልና ሒዛቶ እትርከብ ቐጠር፣ ናይ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ናይ ፕረዚደንትነት ቦትኣ ንኩዌት ከተረክብ ምዃና ዝሓበረ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር፣ ነቲ ናይ ፕረዚደንትነት ጽፍሒ ማሕበር ሃገራት ዓረብ እትርከብ ኩዌት’ውን ኣብ ኣባላት እቲ ማሕበር ንዘሎ ዘይተፈትሐ ብድሆታት ንምእላይ ክትጽዕር ምዃና ገሊጻ።

ጅቡቲ ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ግና ኣባል እቲ ማሕበር እኳ እንተዘይኮነት፣ ምስቲ ሕብረት ዝሓሸ ቕርበት ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

መበል 25 ስሩዕ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ጽባሕ ሰሉስ 25 መጋቢት ኣብ ኩዌት ክካየድ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0