ሱዳን፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ  ዓመታዊ 1.8 ሚልዮን ቶን ነዳዲ ንምልቃሕ ትዘራረብ

ሱዳን፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዓመታዊ 1.8 ሚልዮን ቶን ነዳዲ ንምልቃሕ ትዘራረብ

Radio Erena: 23 May 2018

Sudan Oil

ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ተሸሚማ እትርከብ ሱዳን፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዓመታዊ 1.8 ሚልዮን ቶን ነዳዲ ንምልቃሕ ትዘራረብ ከምዘላ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ንቁጠባዊ መሓውራታ ኣሰናኺልዎ ዝርከብ ሱዳን፣ ሃገራት ዓረብ ናብ ሃገራዊ ባንክ ዝልእኽኦ ኡልዮናት ዶላራት ለውጢ ከምዝጽኣሉ ከምዘይክኣለ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ነዳዲ ንምልቃሕ ትሓትት ዘላ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሱዳን ንእንተቕርቦ ዘላ ሕቶ ልቃሕ ነዳዲ እወታዊ ምላሽ እንተደኣ ሂባ፣ እታ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ንሓሙሽተ ዓመታት ናይ ነዳዲ ጸገማታ ክትፈትሕ’ያ።

ሚኒስተር ነዳዲ ሱዳን ዓብዱልራሕማን ዖትማን፣ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ብጉዳይ ልቃሕ ነዳዲ ይዘራረባ ከምዘለዋ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ካልእ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከኣ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክኽተም ትጽቢት ከምዘሎ ጠቒሱ።

ስዑዲ ዓረብ ንሱዳን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ልቃሕ ነዳዲ ከተፍቅደላ ከም ቅድመ ኩነት እተቕርቦ ዘላ ጠለብ፣ ዝምድንኣ ምስ ቀጠር ምዝሕታል ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ይእምቱ።

ነዳዲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምልኣኽ በቂዓ ዝነበረት ሱዳን፣ ምስ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011፣ ነቲ ባህርያዊ ጸጋ ክትከስሮ እንከላ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፣ ቁጠባኣ እናወደቕ ይመጽእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብሰንኩ፣ ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ክንህር እንከሎ፣ ኣብ ሓያሎ ክፋላት እታ ሃገር ከኣ ዋሕዲ ነዳዲ ተኸሲቱ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0