ሱዳንን ግብጽን ብተኸታታሊ ፊልም (ሙሰልሰል) ይሰሓሓባ

ሱዳንን ግብጽን ብተኸታታሊ ፊልም (ሙሰልሰል) ይሰሓሓባ

Radio Erena: 22 May 2018

muselsela

ሱዳን፣ ካብ ግብጺ ዝመሓላለፍ ዘሎ ተኸታታሊ ፊልም (ሙሰልሰል) ንዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ዘዕንዩ ክትብል ኮኒናቶ።

እታ “ኣቡ ዓምር ኣል ማስሪ” ዝተሰምየት ብምኽንያት ጾመ ሮሞዳን ክትመሓላለፍ ጀሚራ ዘላ ናይ ግብጺ ሙሰልሰላ፣ ኣብ ሱዳን ንዝነበሩ ግብጻውያን ሕማቕ ምስሊ ተንጸባርቕ ከምዘላ ዝወቐሰ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ መንግስቲ ግብጺ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክቑጠብ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብታ ሙሰልሰላ ቀሪቦም ካብ ዘለዉ ገጸ ባህርያት፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ምዃኖም፣ ግብጺ፣ ከምዚ ዓይነት ተዅታዅ መደባት ደው ከተብሎ እቲ ሚኒስትሪ ተማሕጺኑ።

እቲ ሚኒስትሪ ብዘይካ’ዚ ንኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ሱዳን ጸዊዑ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዘዘራረቦ ምንጭታት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

ተቓወምቲ ብምሕብሓብን ብምዕጣቕን ሓድሕደን ዝወናጀላ ሱዳንን ግብጽን፣ ብጉዳያት ዋንነት ሓላይብ፣ ኣጠቓቕማ ናይል ዝተፈላለየ ዝምድና ምስ ቀጠርን ቱርኪን ብዝበኣሰ ተሰሓሒበን ምንባረን ይዝከር።

ኣብ ግብጺ ዝነበረ ኣምባሳደራ ስሒባ ዝጸንሐት ሱዳን፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ዲፕሎማስያዊ ዘተ፣ እቲ ምትፍናን ተዛማዲ ህድኣት ክረክብ እንከሎ፣ ሱዳን ከኣ ኣምባሳደራ ናብ ካይሮ መሊሳ ትርከብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0