ሱዳን፣ ካብ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ

Radio Erena: 09 October 2019

ሱዳን፣ ካብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ብሓገዝ ምርካባ ኣፍሊጣ።

እቲ ገንዘብ ኣካል እቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ነታ ሃገር ዝተመባጽዐኦ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን ኢብራሂም ኤልባዕዳዊ ገሊጹ።

እቲ ዝተረፈ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ሱዳን ክትቕበሎ ትጽቢት ኣሎ።

ብኸቢድ ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባ ሱዳን ክበራበር ኣስታት 8 ቢልዮን ዶላር ፊናንስያዊ ሓገዝ ከምዘድሊ’ዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶቕ ዝሕብር።

ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ሱዳን እትጠልቦ ዘላ ብዝሒ ገንዘብ ብመልክዕ ልቃሕን ሓገዝን ክርከብ እኳ እንተኸኣላ፣ እቲ ዝተረፈ፣ ኣብ ጸዓት፣ ህንጻ፣ ነዳዲ፣ ዕደናን ካልእን ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ብምዕዳም ኣማራጺታት ክርከብ ከምዝኽእለ ተንተንቲ ቁጠባ እታ ሃገር የረድኡ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0