ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ቆላሕታ ክግበረሉ ዝጽውዕ ምንቅስቃስ፣ ብደረጃ ዓለም ተቓውሞታት የካይድ

Radio Erena: 09 October 2019

ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና፣ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ኣሎ እናበለ ዝጣበቕ፣ Extinction Rebellion XR ዝተባህለ ምንቅስቃስ፣ ብደረጃ ዓለም ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት የካይድ ኣሎ።

እቲ ምንቅስቃስ፣ ዓለማዊ ዋዒ እናበኣሰ ይመጽእ ብምህላዉ ዕቱብ ቆላሕታ ክግብረሉን መንግስታት፣ ንዓለምና ገጢሙዋ ንዘሎ ብድሆ ክሊማዊ ለውጢ ንህዝቢ ብጋህዲ ከፍልጡን ይጠልብ።

ኣማኢት ደገፍቲ እቲ ምንቅስቃስ፣ ኣብ ፓሪስ፣ ለንደንን ካልኦት ከተማታትን ኤውሮጳ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሰልፍታት፣ “ዓለምና መተካእታ የብላን”፣ “እዛ ካልኣይቲ ዘይብላ ዓለምና ኣብ ሓደጋ’ያ ወዲቓ ዘላ”፣ ዝብል ካልእን ጽሑፋትን ጭርሖታትን ኣልዒሎም።

እቶም ሰልፈኛታት፣ ኣብ ኣውራ ጎደናታትን ድልድላትን ብምድቃስን ምርኢት ሓምላይ ልምዓት ብምትካልን መካይን ከይሓልፋ ክኽልክሉ ተራእዮም።

ከም ኣድማን ኣብያታትን ብምውዳብ፣ ንዕቃበ ኣከባቢ ዝቃልስ Extinction Rebellion XR፣ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2018፣ ኣብ ብሪጣንያን ዝተመስረተ ዘይጎነጻዊን ኢፖለቲካውን ምንቅስቃስ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለምና ወከልቲ ኣለዎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0