ሱዳን፣ ኤርትራ ንዘቕረበቶ ክሲ ነጺጋ

ሱዳን፣ ኤርትራ ንዘቕረበቶ ክሲ ነጺጋ

Radio Erena: 26 March 2018

Omar Bashir

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ቀጠር ብምትሕብባር ሽርሕታት ይኣልም ኣሎ ዝብል ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብቀዳም 24 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ኤርትራ እትግብሮ ምትሕብባር ከምዘየለ ብምምልካት፣ መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ክሲ ምቕራቡ ከምዘገረሞ ኣፍሊጡ።

እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ክስታት ዝተሰንዑን መሰረት ዘይብሎምን’ዮም ዝበለ እቲ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሰናይ ጉርብትና ዝኣምን ፖሊሲ ከምዘለዎ ኣነጺሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብሓሙስ 22 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሱዳን ምስ ቀጠርን ኢትዮጵያን ብምትሕብባር፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ሰለስተ ነፍርቲ ውግእ ብምውፋር ኣንጻር ኤርትራ ሽርሕታት ትኣልም ከምዘላ ምውቃሱ ይዝከር።

ሱዳን፣ ብወገን ኤርትራ ተጻብኦታት ኣሎ ብዝብል ምኽንያት ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዛ ዶባታ ብምዕጻው ሰራዊት ኣዋፊራትሉ ትርከብ።

ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዝዩ ሻሕኪሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0