ሶማል፣ ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ባይቶ ብዝተፈንጀረ ነታጕ ብውሕዱ 4 ሰባት ተቐቲሎም

ሶማል፣ ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ባይቶ ብዝተፈንጀረ ነታጕ ብውሕዱ 4 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 27 March 2018

somal

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ ብዝተፈንጀረ ነታጕ ብውሕዱ 4 ሰባት ከምዝተቐትሉን ሸውዓተ ከኣ ከምዝቖሰሉን ፖሊስ ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ፣ ብሰንበት 25 መጋቢት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ንኣባላት ፓርላማ ወይ ድማ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከብ ኣባላት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዒላማ ዝገበረ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

በቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ኣባላት ፓርላማ ዝበጽሐ ጉድኣት እንተሎ፣ ዛጊት ኣይተገልጸን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሶማል ነበር ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ኣመሪካ ከይኣቱ ተኸልኪሉ።

እቲ ካብ 2012 ክሳብ 2017 ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኮይኑ ዘገልገለ ፖለቲከኛ ናብ ኣመሪካ ከይኣቱ ቪዛ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት፣ ምምሕዳር ትራምፕ ሶማላውያን ንዝርከብዎም ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ብሰንኪ ዘንበሮ ናይ ቪዛ እገዳ’ዩ።

ፕረዚደንት ነበር ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናብ ኣመሪካ ንምጋሽ ዝመደበሉ ምኽንያት፣ ኣብ ሓደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንምስታፍ’ዩ።

ኣመሪካ ንፕረዚደንት ሶማል ነበር ቪዛ ምኽልካላ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ሶማል ዘለዋ ንዕቀት ዘርኢ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0