በዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ፣ ብጉዳይ መሸጣ ስኒ ሓርማዝ መርመራ ይካየደላ ኣሎ

በዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ፣ ብጉዳይ መሸጣ ስኒ ሓርማዝ መርመራ ይካየደላ ኣሎ

Radio Erena: 26 March 2018

Grace MUgabe

በዓልቲ ቤት ሮበርት ሙጋበ፣ ግረይስ ሙጋበ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ መሸጣ ስኒ ሓርማዝ ተዋፊራ ኔራ ከይትኸውን ብፖሊስ ምጽራይ ይካየደላ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ሃራረ ሓቢረን።

ንሳ፣ብገበን ምስ ዝህደኑ ዘይሕጋውያን ደላሎን ኣሰጋገርትን ስኒ ሓርማዝ፣ ከም ኣልማዝ ዝኣመሰለ ክቡር ኣእማንን፣ ቆርበትን ቀርንን ኣብ ምጽናት ናይ ዝርከቡ እንስሳታትን ዝተዋፈሩ ትካላት ብምትሕብባር ትሰርሕ ኔራ’ያ ዝብል ጥርጣረታት ብጋዜጠኛታት ድሕሪ ምዝርግሑ’ዩ ፖሊስ ዚምባብዌ ምጽራይ ጀሚሩ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ እቲ ጉዳይ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ድሕሪ ምርካቡ፣ ፖሊስ ሃገሩ ንስድራቤት ሮበርት ሙጋበ ብዝቐልጠፈ ምጽራይ ከካይዱሎም ከምዘኣዘዘ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ክሲ ኣይተመስረተላን።

ሃብቲ ሃገር ብምብኻንን ዝተፈልጠት ጓል 52 ዓመት በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር፣ ግረይስ ሙጋበ፣ ኣብ ዱባይ፣ ሲንጋፖርን፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራይን እናተዘዋወረት ናይ 10ታት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት መጋየጺ ነገራት ከምዝሓሸሸት’ዩ ዝውረየላ።

ንዚምባብዌ ን38 ዓመታት ዝመርሐ ሮበር ሙጋበ፣ ድሕሪ ሞት ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤቱ፣ ኣብ 1996’ዩ ምስ ግሬስ ቃል ኪዳን ኣሲሩ።

ኣብ 93 ዓመቱ፣ ብእርጋንን ኣብ ስልጣን ነዊሕ ብምጽንሑን ካብ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት ዝተሰርዐ ሮበርት ሙጋነ፣ ዝሓለፈ ዓመት ብወትሃደራት ሃገሩ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝግለፍ፣ ኣብተን ናይ መወዳእታ 3 ዓመታት ዕድሚኡ፣ ስልጣኑ ብበዓልቲ ቤቱ ይዝወር ምንባሩ ይግለጽ።

=====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0