ሱዳን፣ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ኮፍ ብምባል ክካየድ ዝቐነየ ተቓውሞ፣ ፖሊስ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ተበቲኑ

Radio Erena: 14 July 2022

ካብ ድሮ ዒድ ኣትሒዙ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ኮፍ ብምባል ክካየድ ዝቐነየ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ፖሊስ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ከምዝተበተነ ተሓቢሩ።

ብድሩዓት ዝተሰነዩ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን፣ ካብ 12 ሓምለ ኣትሒዞም፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሜዳ ኣል ኣዛህር ኮፍ ብምባል ተቓውምኦም ዝገልጹ ዝነበሩ ሱዳናውያን ጠያይቲ ከምዝተኮሱ ዝሓበራ መርበባት ዜና፣ ብውሕዱ 14 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣመልኪተን።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብዝወሰድዎ ጎነጻዊ ስጉምቲ፣ ኣብ ኡምዱርማንን ካልእ ከባቢታት ከተማ ካርቱምን ዝካየድ ዝነበረ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ከምዝተበተነ እተን መርበባት ገሊጸን።

እተን መርበባት ብዘይካ’ዚ፣ ወደብቲ ናይቲ ተቓውሞ፣ ካልእ ኣማራጺታት ክሳብ ዝምድቡ፣ ነቲ ከካይድዎ ዝቐነዩ፣ ኣብ ጎደናታት ኮፍ ናይ ምባል ኣድማ ንግዜኡ ደው ከምዘበልዎ ኣፍሊጠን።

ኣብ ሱዳን፣ ኣንጻር ‘ቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዝቐንዐ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ኣሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ጎነጽ ይጥቀሙ ምህላዎም ዝወቐሳ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ልዕሊ 100 ሰልፈኛታት ከምዝተቐትሉ ይኸሳ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0