ሱዳን፣ ኣብ የመን ዝርከብ ሰራዊታ ንምስሓብ ትወላወል

ሱዳን፣ ኣብ የመን ዝርከብ ሰራዊታ ንምስሓብ ትወላወል

Radio Erena: 04 May 2018

sudan

ሱዳን፣ ኣብ የመን ዝርከብ ሰራዊታ ክትስሕብ ዶ? ኣይፋል? ኣብ ዝብል ነጥቢ መጽናዕቲ ተካይድ ከምዘላ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ዓሊ ሳልም ገሊጹ።

ንሱ ንኣባላት ፓርላማ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብኡ ክጸንሕ ዶ ወይስ ክስሕብ ኣብ ዝብል ነጥቢ፣ እወታውን ኣሉታውን ጎንታቱ ምጽናዕቲ ይካየደሉ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ኣብ መወዳእታ ንሃገር ዘርብሕ ውሳኔ ከምዝውሰድ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ወከልቲ ናጻ ሰልፍታት ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብ የመን ክወጽእ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት’ዩ።

 

ንሳቶም ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ሰራዊት ሱዳን ብዘይኣፍልጦን ውሳኔን ፓርላማ ናብ ካልእ ሃገር ምልኣኽ ዘይቅዋማዊ ምዃኑ ኣብ ርእሲ ምቅዋሞም፣ እቲ ሰራዊት ኣካል ናይቲ ኣብ የመን ሰለማውያን ሰባት እታ ሃገር ዘህልቕ ዘሎ ኵናት ምዃኑ ኮኒኖም።

ብዘይካ’ዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ይበጽሖ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ፣ ኣብ ዝቐልጠፈ ክስሓብ’ዮም ሓቲቶም።

ሱዳን፣ ኣብ የመን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰራዊት ኣዋፊራ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ደሴት ሰኮትራ ናይ የመን ኣማኢት ወትሃደራት ምውፋራ፣ ህዝቢ የመን ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብታ ኣብ ንቀይሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ኣብ ዘተኣሳስር ስትራቴጅያዊት ክሊ ማይ እትርከብ ደሴት ሰራዊት ምልኣኻ፣ ንየመን ናይ ምቁጽጻር ሕልሚ ከምዘለዋ ብምውቃስ’ዮም የመናውያን ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለዉ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን እትገብሮ ዘላ ወትሃደራውን ቁጠባውን ምስፍሕፋሕ፣ ኣብቲ ዞባ ንዝጸንሕ ወጥሪ የጋድድ ከምዘሎ’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0