ሱዳን፣ ኣብ ዓሌታዊ ግጭት ዳርፉር ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 65 በጺሑ

Radio Erena: 05 January 2020

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዞባ ዳርፉር ብዝተላዕለ ዓሌታዊ ግጭት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 65 ከምዝበጽሐ፣ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ብዕለት 29 ታሕሳስ፣ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝተላዕለ ዓሌታዊ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ናይ ዓረብን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያንን ዓሌት ዘለዎም ተወላዶ’ቲ ዞባ ዝተላዕለት ግጭት እዩ ተበጊሱ።

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብሰንኪ’ቲ ግጭት፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ካብቲ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ መዓስከራት ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ቁጽሪ ናይ ዝቖሰሉ ሰባት እውን ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 45 በጺሑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ፣ ነቲ ዓሌታዊ ግጭት ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ሱዳን፣ ነቲ ፍጻሜ ናብ ፖለቲካዊ ረብሓ ቀዪረን ንመኽሰባት ከይጥቀማሉ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ግጭት ንምህዳእ ዝወሰዶ ስጉምቲ ክንእድ እንከሎ፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ግና ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ርእየን ክጥቀማሉ ምፍታነን ከምዘጉሃዮ ይጠቅስ።

ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ መንጎ ናይ ዓረብን ናይ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያንን ዓሌት ዘለዎም ተወላዶ በብእዋኑ ብዝካየድ ደማዊ ግጭት፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህይወት ኣህሊቑ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0