ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሒደት ሳምንታት ወረቐት ስርሑ ድሕሪ ምርካቡ፣ ናብ ሃገሩ ክምለስ ተጸዊዑ

Radio Erena: 05 January 2020
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሒደት ሳምንታት ወረቐት ስርሑ ድሕሪ ምርካቡ፣ ናብ ሃገሩ ክምለስ ተጸዊዑ።

ኣምባሳደር ሪዱዋን ሑሰይን ናብ ሃገሩ ዝምለሰሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፣ ጸሓፊ ጉዳያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸውን ሓድሽ መዚ ስለዝተዋህቦ’ዩ ክብላ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣቐድም ኣቢሉ ጸሓፊ ጉዳያት ዝነበረ ኣምባሳደር ማርቆስ፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝተላእከሉ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ምርካቡ ይንገር።

ኣምባሳደር ማርቆስ ካብ መዝነቱ ዝተባረረሉ ምኽንያት ወግዓዊ መግለጺ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደኣ ኣይወሃበሉ እምበር፣ ምስ ጉዳይ ረፈረንዱም ህዝቢ ሲዳማ ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይገልጹ።

ገለ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ብወገኖም፣ ምብጻሕ ጉጅለ ልኡኽ ቻይና ናብ ክልል ትግራይ ምስ ምእጋዱ ብዝተሓሓዝ ንማዕከናት ዜና ዝሃቦ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተፈልየ ርእይቶ ምዃኑ ይገልጹ።

ኣምባሳደር ሪዱዋን ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ሓድሽ ጸሓፊ ጉዳያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ትጽቢት ይግበረሉ።

ንሱ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ደኣ ይመዘዝ እምበር፣ መግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት እዩ ወረቐት ስርሑ ተረኪቡዎ።

ዝኾነ ኣምባሳደር ኮይኑ ዝምዘዝ በዓል ስልጣን፣ ወረቐት ስርሑ ናብታ ዝተመዘዘላ ሃገር ኣብ ዝኣተወሉ ዘረክብ እኳ እንተኾነ፣ ስምምዕ ሰላም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይንቡር መልክዕ ሒዙ ብምህላዉ፣ ኣምባሳደር ሪዱዋን ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣትሒዙ ብዘይ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ እዩ ኣብ ኤርትራ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0