ሱዳን፣ ኣስታት 1700 ዕጡቓት ተቓውምቲ ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ተጸንቢሮም

Radio Erena: 07 October 2022

ብመሰረት እቲ ኣብ 2020 ኣብ መንጎ ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣስታት 1700 ዕጡቓት ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ከምዝተጸንበሩ ተሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ- ኣናዱሉ፣ ንመራሒ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሰሜን ሱዳን፣ ኣጋር ማሊክ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ኣብ ዞባ ብሉ ናይል ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ልዕሊ 700 ዕጡቓት ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ምጽንባሮም ኣረጋጊጹ።

ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት’ውን ነቲ ስምምዕ ብምኽባር፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ብተመሳሳሊ መስርሕ ናብ ሰራዊት ሱዳን ጸንቢሮም ኣለዉ።

ነቲ መስርሕ ምጽንባር ዘረጋገጸ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ቮልከር ፐርትስ፣ ሕጂ’ውን ትግባረ ስምምዕ ሰላም ሱዳን ተደናግዩ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ሓደ ካብቲ ኣውራ ብድሆታት፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን መራሕቲ ዕጡቓት ዳርፉርን ዝቅጽል ዘሎ ዘይምትእምማን ምዃኑ’ዩ ዝትቐስ።

ብሚን ሚናዊ ዝምርሕ ተቓዋሚ ሓይሊ፣ ኣስታት 12 ሽሕ ዕጡቓቱ ምስ ሰራዊት ሱዳን ንምጽንባር ሓንጊዱ ምህላዉ ብወገን መንግስቲ ክግለጽ እንከሎ፣ ንሱ ድማ ብወገኑ ምድንጓይ እቲ መስርሕ ብወገን መንግስቲ ምዃኑ ይወቕስ።

ኣብ 2020 ኣብ ጁባ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ሱዳን፣ ነታ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲ ዓቢ ብድሆ ገጢሙዋ ዘሎ ሱዳን ተስፋታት ሂቡዋ ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ እቲ ብሰራዊት ዝምራሕ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲን ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዳርፉርን ብሉ ናይልን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምትእምምና ንትግባረ እቲ ስምምዕ ኣደናጕዩ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0