ኣብ ኦሎምፒክ ለንደን 2012 ዑቕባ ንምሕታት ዝተረፈ ኤርትራዊ ኣትለት፣ ንብሪጣንያ ብምውካል ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ክወዳደር’ዩ

Radio Erena: 07 October 2022

ብ27 ሓምለ 2012 ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝተኸፍተ፡ መበል 30 ውድድር ኦሎምፒክስ ንዝተሳተፈት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኦሎምፒክስ ኤርትራ መሪሑ፡ ባንዴራ ኤርትራ ጾይሩ ናብ ሜዳ ዝኣተወ፡ ኣትሌት ወይናይ ገብረስላሴ፡ ኣብ’ቲ ኣብ 2024 ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል ውድድር ኦሎምፒክስ፡ ንብሪጣንያ ወኪሉ ንምስታፍ ይጽዕት ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣትሌት ወይናይ ገብረስላሴ፡ ነዚ ዝገለጸ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ መበል 42 ውድድር ማራቶን ለንደን፡ ብ2 ሰዓታት፡ 11 ደቓይቕን 57 ካልኢታት ብምፍጻም፡ ዝበለጸ ውልቃዊ ግዜ ኣመዝጊቡ፡ ብሓፈሻ 9ይ፡ ካብ ብሪጣንያውያን ድማ ቀዳማይ ተርታ ድሕሪ ምሓዙ እዩ።

ንሱ፣ መዛዘሚ መስመር ድሕሪ ምርጋጹ፡ “ቅድሚ ኦሎምፒክ ለንደን 2012 ሃገረይ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣይነበረትን። ኣነ ድማ ኣብ ሰራዊት እየ ኔረ። ስለ ዘይፈተኽዎ ከኣ፡ ኣብ’ዚ ሃገር ዑቕባ ክሓትት መሪጸ። መደበይ ኣብ ውድድራት ሻምፕዮን ዓለምን ኦሎምፒክ ፓሪስን ንምጉያይ እዩ። ዝመጽእ ዓመት ንዝቓናዕ ውድድር ኦሎምፒክ `ውን ብኣግኡ ክዳለው እየ። ንብሪጣንያ ክውክል ድማ፡ ተስፋ እገብር።” ኢሉ።

ኣብ ግላስኮ ስኮትላንድ ዝነብርን፡ ዝሓለፈ ዓመት ዜግነት ብሪጣንያ ዝሓዘን ወዲ 28 ዓመት ወይናይ፡ ብድሕሪ ምዝዛም እቲ ንሱ 10ይ ደረጃ ሒዙ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ዘይሰገረሉ፡ ኣካል ውድድር ኦሎምፒክ ለንደን 2012 ዝኾነ ቅድድም ጉያ መሰናኽል 3000 ሽሕ ሜትር፡ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፈ ይዝከር።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0