ሱዳን፣ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተኣልዩ

Radio Erena: 31 December 2022

ኣብ ሱዳን፣ ካብ 25 ጥቅምቲ 2021 ኣትሒዙ፣ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝጸንሐ ናይ ህጽጽ እዋን ኣዋጅ ተላዒሉ።

ወትሃደራዊ መራሒ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ብሰንበት 29 ግንቦት ኣብ ዘሕለፎ ኣዋጅ፣ ትርጉም ዘለዎን ፍረ ዝርከቦን ምቹእ ናይ ዘተ ሃዋሁ ብምፍጣር፣ መሰጋገሪ ባይታ ንምትጣሕ መታን ክሕዝግ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክልዓል ከምዝወሰነ ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝሓለፈ መግለጺ ኣረዲኡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ጀነራል፣ ምስ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞን ናዕብን ተተሓሒዙ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 125 ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዝፈትሐ፣ ንጠበቓታቶም ብምውካስ ሱዳን ትሪቡን ኣቃሊሑ።

ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት መላፍንቱ ንዝነበረ ሲቪላዊ ወገን፣ ኣብ 25 ጥቅምቲ ምስ ኣለዩ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀ ይዝከር።

ዜጋታት እታ ሃገር፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ በርጌሳዊ ኣካል መንግስቲ ‘ዕልዋ’ ፈጺሙ ብምባል፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተቓውሞን ናዕብን ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ንኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝቐጸለ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ልዕሊ 90 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 150 ሰባት ድማ ከምዝተኣስሩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክታ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0