ንኤርትራን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ፣ መጥቃዕቲ ካብ ዝተኻየደ ጃልባ ዝደሓኑ ፈረንሳውያን ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: 30 May 2022

ንኤርትራን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ፣ መጥቃዕቲ ካብ ዝተኻየደላ ጃልባ ዝደሓኑ ፈረንሳውያን ባሕረኛታት፣ ብሰላም ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ተሓቢሩ።

ከንቲባ፣ ቸስኒ-ረኮንኩር ናይ ዝተባህለተ ፈረንሳዊት ከተማ ዝነበረ፣ ፊሊፕ ብሪሎ ዝርከቦም ፈረንሳውያን ባሕረኛታት፣ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ጃልባ፣ ኣብ 19 ግንቦት፣ ብፈጣናት ብዝመጹ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ካብ ዝካየደሎም፣ ብህይወት ከምዝደሓኑ እኳ እንተሓበረ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ከይተዋህበ’ዩ ጸኒሑ።

እታ ናይ ሆንጎ ኮንጎ ባንዴራ እናንበልበለት፣ ካብ ወደብ ጂቡቲ ዝተበገሰት ጃልባ፣ ንኤርትራን የመን ዘዋስን ክሊ ማይ፣ ደሴታት ሓኒሽ ሓሊፋ፣ ኣብ ክሊ ማያት ወደብ ሖደይዳ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመላ’ዩ ተሓቢሩ።

ብዝሖም ይኹን መንነቶም ከይተሓበረ ዝጸንሐ ባሕረኛታት፣ ብፍሉይ ስርሒት፣ ብሓንቲ ሄሊኮፕተር ተዓጂቦም ናብ ሓንቲ ናይ ኢጣልያ መርከብ ከምዝገዓዙ ጋዜጣ ለ ፓሪዝያን ኣቃሊሓ።

ድሒሩ ድማ ናብ ጂቡቲ ከምዝተሰጋገሩን፣ እታ ኣስታት 19 ሚትሮ ዝንውሓታ፣ ላኮታ ዝዓይነታ ጃልባ ብፍሉጥ ፈረንሳ ባሕረኛ፣ ፊሊፕ ፑፖ እትምራሕን ምንባራን፣ ሓደ ካብ ተጓዓዝታ ‘ውን ወዲ 71 ዓመት ከንቲባ ኣብ ዞባ ደዚቭሊን ነበር ምዃኑን ተረጋጊጹ።

እቶም ባሕረኛታት፣ ቅድሚ’ቲ ዝተፈጸመሎም መጥቃዕቲ፣ ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዛ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ’ዮም ነሮም።

ነታ ጃልባ ዘጥቅዑ ዕጡቓት፣ መንነቶም ብጽኑር ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ነቶም ባሕረኛታት ጅሆ ብምሓዝ፣ ገንዘብ ክሓቱ መደብ ዝነበሮም ሸፋቱ ባሕሪ ምዃኖም ተነጊሩ።

ብዝተኻየደሎም ጻዕሪ ካብ መጥቃዕቲን ጭውያን ዝደሓኑ እቶም ፈረንሳውያን፣ ናብ ጂቡቲ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ኣምባሳደር ፈረንሳ ተቐቢሉ፣ ናብ ሃገሮም ክሳብ ዝበጽሑ ዘድልዮም ኩሉ ነገራት ከምዘማልኣሎም ንጋዜጣ ለ ፓሪዝያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረዲኦም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0