ኣብ ጂቡቲ ኣብ መንጎ ብሄራት ዓፈርን ሶማል ዒሳን ግጭት ምክያዱ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 May 2022

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ዓፈርን ሶማል ዒሳን ብዝተኻየደ ግጭት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ ተገሊጹ።

መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝዝርግሕኦ ሓበሬታ፣ እቲ ግጭት ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ከተማ ጂቡቲ ከምዝተጎሃሃረ ብምጥቃስ፣ ብፍላይ ኣብ ዋራባል፣ ኣርሂባን ሖዳንን ዝተባህለ ከባቢታት፣ ሓያሎ ኣባይቲ ከምዝተቓጸለ ኣመልኪተን።

እቲ ናይ ጂቡቲ ግጭት፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ብሄራት ዓፈርን ሶማልን ኣብ ዝነብሩለን ከባቢታት ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተጎሃሃረ ጎነጽ ዝገንፈለ ምዃኑ ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ርእይቶታቶም ይህቡ ኣለዉ።

ከንቲባ ከተማ ጂቡቲ፣ ስዒድ ዳውድ ኣልሙሻጋይ፣ ናብቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ከባቢታት ከምዝበጽሐ መርበባት ዜና ጠቒሰን።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተወልዐ ግጭት ይኹን ኣብ ሰብን ንብረትን ዘብጽሖ ጉድኣት ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፣ ንክልላት ዓፈርን ሶማልን ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ናይ ብሄር ግጭታት ናብ ጂቡቲ ልሒሙ፣ ብሰንኩ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0