“ሱዳን፣ ናብ ከቢድ ቅልውላው ከተምርሕ ትኽእል’ያ።” ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ

Radio Erena: 17 June 2021

ሱዳን፣ ብሰንኪ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ፣ ናብ ከቢድ ቅልውላው ከተምርሕ ከምእትኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣጠንቂቑ።

ንሱ ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ሱዳን እትኣታትዎ ዘላ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ጽገናታት ንኸይዕወት፣ ደገፍቲ ናይቲ ዝወደቀ ስርዓት ዝኾኑ ወገናት ኣድማን ናዕብን የሳውሩ ኣለዉ ክብል ወቒሱ።

ሱዳን፣ ኣብ ነዳዲ ዝግበር ዝነበረ ድጎማ ደው ከተብሎ ድሕሪ ምውሳና፣ ዋጋታት ነዳዲ ብልዕሊ 250% ድሕሪ ምዕራጉ፣ ህዝቢ እታ ሃገር፣ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ፣ ጎደናታት ብምዕጻው ናይ ተቓውሞ ሰልፍን ናዕብን ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ምርግጋእ ዋጋታት መሰረታዊ መግብታትን ሃለኽቲ ነገራትን ከምኡ ድማ ምምሕያሽ ናብራን ብምጥላብ ንስርዓት ኣልበሺር ዝኣለየ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ድሕሪ ክልተ ዓመታቱ ብዙሕ ለውጥታት ስለዘይተራእየ፣ ዳግም ይልዓል ኣሎ ክብሉ’ዮም ነቲ ሰልፍታት ዝመርሑ ዘለዉ ሱዳናውያን ዝገልጹ።

ኣብ ሱዳን ኣብዚ እዋን’ዚ መጠን ዝቕባበ ባጤራ ኣስታት 380% በጺሑ ይርከብ።

ካርቱም፣ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ማይን’ውን ብስሩዕ ናብ ዘይትረኽበሉ ኩነታት ወዲቓ ምህላዋ ዝተፈለዩ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ይጠቕሱ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0