ሱዳን፣ ብጸሊም ዕዳጋ ዶላርን ኤውሮን ንዘሽርፉን ዝሕውሉን ሰባት ትሃድን

Radio Erena: 25 November 2016

Dollar in Sudan

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ብጸሊም ዕዳጋ ዶላርን ኤውሮን ንዘሽርፉን ዝሕውሉን ሓያሎ ሰባት ከምዝቐየዱ ምንጭታት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

እቶም ዝተፈላለየ ዜግነት ከምዘለዎም ዝተሓበሩ ብጸሊም ዶላር ዘሽርፉን ኣብ ሓዋላ ዝተዋፈሩን ሰባት ትማሊ ሓሙስ 24 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ግፋ’ዮም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ቁጠባ ሱዳን ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ዝዳኸመሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ወጻኢ ባጤራታት ብፍላይ ዶላርን ኤውሮን፣ ንምቁጽጻር’ዩ ጻዕርታት ተካይድ ዘላ።

ናይ መንግስቲ ወጻኢታት ንምቕናስ’ውን፣ ኣብ ነዳዲን ኤሌክትሪሲቲን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ከምዘጉደሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ሱዳናውያን በጻሕቲ ሃገራት፣ ናብ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዑደት ኣብ ዘካይድሉ፣ ሒዞሞ ዝገሹ መጠን ናይ ወጻኢ ባጤራ ካብ ሓደ ሽሕ ዶላር ከይበዝሕ’ዩ ዘገድድ።

ኣብ ሕጋዊ ዕዳጋ ሓደ ዶላር ኣመሪካ 6 ፓውንድ ሱዳንን 50 ሳንቲምን ክሽረፍ እንከሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ብሓዋላን ከኣ ክሳብ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ ክሳብ 19 ፓውንድን 10 ሳንቲምን’ዩ ዝሽረፍ ዘሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0