ካብ ኢጣልያ ናብ ጀርመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ዝሓለነ ኤርትራዊ ትሕቲ ዕድመ ብሓደጋ ባቡር ሞይቱ

Radio Erena: 25 November 2016

Bolzano

ካብ ኢጣልያ ናብ ጀርመን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምስጋር ዝሓለነ ኤርትራዊ ስደተኛ ብሓደጋ ባቡር ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

እቲ ኣቤል ተመስገን ዝተባህለ ወዲ 17 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ዶባት ኢጣልያን ኦስትርያን ሰጊሩ ናብ ጀርመን ንምእታው፣ ኣብ ዶብ ኣብ እትርከብ ናይ ኢጣልያ ከተማ ቦልዛኖ ኣብ ባቡር ክሕባእ ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ብሰኑይ 21 ሕዳር ብባቡር ተረጊጹ ሞይቱ።

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ንኣማውታ’ቲ ኣብታ ሃገር ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ከምዘለዎ ዘረጋገጽዎ ኤርትራዊ ስደተኛ ድሕሪ ምጽራይ፣ ሬስኡ ንኣባላት ስድራቤቱ ከረክቡ ትጽቢት ኣሎ።

ምስቲ ብሓደጋ ባቡር ህይወቱ ዝሓለፈ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ዝነበሩ ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንኣማውታ ብጻዮም ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሓዉ ነቲ ሬሳ ክርከቦ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፣ ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ ናብ ፈረንሳ ንምስጋር፣ ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን ኣብ እትርከብ ከተማ ቫንቲሚልያ፣ ክትመውት እንከላ፣ ኣብ ዶባ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ካሌ’ውን ብተመሳሳሊ ሓደ መንእሰይ ብሓደጋ መኪና ህይወቱ ከምዝሓለፈት ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤውሮጳ፣ ዶባት እናቋረጽካ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምስግጋር ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ግዳያት ሓደጋ ባቡርን መካይንን ይኾኑ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0