ጥንታውያን ነፈርቲ ብምብራር ሃገራት ዘቋርጹ ዝነበሩ ብሪጣንያውያን ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዎም ተኣሲሮም

Radio Erena: 25 November 2016

Aircraf

ጥንታውያን ነፈርቲ ብምብራር ሃገራት ዘቋርጹ ዝነበሩ ብሪጣንያውያን ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዎም ከምዝተኣስሩ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቶም ኣብረርቲ ጥንታውያን ነፈርቲ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ብምስንጣቕ፣ ካብ ግብጺ ናብ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ድማ ብመንገዲ ጋምቤላ ብ23 ሕዳር ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዎም ደሃይ ኣጥፊኦም’ዮም ጸኒሖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ዘረጋገጸ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ድማ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ነፈርቶም ናጻ ክለቅዎም ምዃኖም ንሰበ ስልጣን ኣቭየሽን ብምጥቃስ ገሊጹ።

ሕጋዊ ፍቓድ ከይሓዙ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ዝሓበረ በዓል መዚ ኣቭየሽን ኢትዮጵያ፣ ዘድሊ ምጽፋፋት ድሕሪ ምስላጥ ከፋንዎም ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

እቶም ኣብረርቲ ሎሚ ድሕሪ ምልቃቖም ጉዕዝኦም ክቕጽሉ ትጽቢት ኣሎ።

ናይ መወዳእታ ጉዕዞ ናይዞም ጥንታውያን ነፈርቲ ብምብራር ካብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ዝተበገሱ ኤውሮጳውያን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0