ሱዳን፣ ብምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንዝተኸሰሱ ሰባት ጉዳዮም ዝርኢ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣቝማ

ሱዳን፣ ብምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንዝተኸሰሱ ሰባት ጉዳዮም ዝርኢ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣቝማ

Radio Erena : 13 February 2015

Rashaida Tra

መንግስቲ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂሰብ ንዝተኸሰሱ ሰባት ጉዳዮም ዝርኢ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ከምዝኸፈተ ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ነቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ብሮቡዕ 11 ለካቲት ኣብ ካርቱም ብወግዒ መሪቑ ዝኸፈተ ሚኒስተር ፍትሒ ሱዳን መሓመድ ቢሻራ ዶሳ፣ ዕላማ ምቛም ፍሉይ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ከሰላን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ንምግታእን ንፈጸምቱ ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ንምብያንን ምዃኑ ኣረዲኡ።

 

ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ብመንገዲቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብን ከባቢታት ከሰላን ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ከባቢታት ገዳርፍን ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዒላማ ዝገበረ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር፣ ምጭዋይን መሸጣን ስደተኛታት ብዝልዓለ ናህሩ ክስርሓሉ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ ከባቢታት’ዚ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 ምስዚ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ዝተተሓሓዘ 74 ናይ ክሲ ጉዳያት ከምዝመዝገበ ዝሓበረ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝንደበረ ክልተ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ’ውን እቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከምዝነከየ ኣረድኡ።

ኣብ 2012 ናይ 388 ተመሳሳሊ ክሲ ክምዝገብ እንከሎ ኣብ 2013 ከኣ እቲ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ዝተተሓሓዘ ክሲ ናብ 100’ዩ ወሪዱ ኔሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ኣብ ውሽጢ መሬቱ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ምጭዋይ ስደተኛትት ምሉእ ብምሉእ ደ ንምባሉ፣ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ከምዝድልዮ ብምእማን’ዩ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣቑሙሉ ዘሎ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ሱዳን ከተማ ከሰላ በዚ ክሲ’ዚ ተታሒዞም ንልዕሊ 20 ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዶም ሓያሎ ሰባት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሃደሙ በብእዋኑ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ዘይሕጋዊ ምድላል፣ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ዝተዋፈሩ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን’ውን ኣብ ዘዝርከብሉ ሃገራት ይኽሰሱ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

በዚ መሰረት ናብ ኢጣልያ ንዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሽወደን፣ ጀርመን፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከሰጋግሩ ጸኒሖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 25 ኤርትራውያን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ብምስግጋር ስደተኛታት ተጠርጢሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ሓደ ስደተኛ ካብ 200 ክሳብ 1000 ዶላር ከከኽፍሉ ከምዝጸንሑ’ዩ ዘመልክት ጸብጻብ ፖሊስ ኢጣልያ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0