ኤርትራ ብናጽነት ፕረስ ንተኸታታሊ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ

ኤርትራ ብናጽነት ፕረስ ንተኸታታሊ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ

Radio Erena : 13 February 2015

rsfERI

ኤርትራ ብናጽነት ፕረስ ንተኸታታሊ ትሽዓተ ዓመታት ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብ ዘውጽኦ ናይ 2015 ሓድሽ ደረጃ ሃገራት ናጽነት ፕረስ፣ ነዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት እታ ዝበለጸ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር ፊንላንድ ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ድማ በንጻሩ እታ ዝኸፍአ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር ምዃና ኣስሚርሉ።

 

ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ዕጽውትን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝተነጸለትን ሃገር እኳ እንተኾነት፣ ህሉው ኩነታት ፕረስ እታ ሃገር ካብ 2001 ኣትሒዙ ከምዘይተቐየረ ግና ኩሉ ዝፍለጦ ሓቒ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ክሲን ፍርድን ካብ 2009 ኣትሒዙ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም 10ታት ጋዜጠኛታት ንገሊኦም ኣብ 2013 ነቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 2015 ክፈትሖም እኳ እንተኽኣለ፣ ሕጂ’ውን ካብ 2001 ኣትሒዞም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ 10ታት ጋዜጠኛታት ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ጌሩ ኣሎ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0