ሱዳን፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ፍትሒ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ ክልተ መንእሰያት ተቐቲሎም

Radio Erena: 13 May 2021

ኣብ ሱዳን፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ፍትሒ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብ12 ግንቦት፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ንምብታን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ክልተ መንእሰያት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ በቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ብምግላጽ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ሰልፈኛታት ንምብታን ጠያይቲ ምትኳሶም ‘ገበን’ዩ’ ክብል ኮኒኑ።

ሰራዊት መንግስቲ ብወገኑ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰልፈኛታት በጺሑ ዘሎ ሞትን መቑሰልትን ምጽራይ የካይደሉ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣማኢት ዝኾኑ ዜጋታት ሱዳን፣ ካብ 11 ግንቦት ምሸት ኣትሒዞም፣ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ህዝባዊ ናዕቢ ዝተወልዐሉ፣ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ወትሃደራዊ ማእከል ብምትእኽኻ’ዮም ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0