ሰራዊት መንግስታት ኡጋንዳን ኮንጎን፣ ኣብ ዞባ ኪቩ ናይ ኮንጎ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ብሓባር ከጥቅዑ’ዮም

Radio Erena: 13 May 2021

ኡጋንዳ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብምስላፍ፣ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር፣ ሰሜን ኪቩ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንምጥቃዕ ሰራዊታ ክትልእኽ ምዃና መንግስቲ ኮንጎ ኣፍሊጡ።

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ኡጋንዳ፣ ናይ ሓባር መኣዘዚ ነቑጣ ንምቛም፣ ኣብ ዞባ ኪቩ ናብ ዝርከብ ቤኒ ዝተባህለ ቦታ ከምዝበጽሑ ዝሓበረ መንግስቲ ኮንጎ፣ ኣንጻር እቶም ‘እስላማውያን ጥሩፋት’ዮም’ ዝበሎም ዕጡቓት ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ክጅምሩ ምዃኖም ገሊጹ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ኮንጎ፣ ብ12 ግንቦት ዝተዋህበ መግለጺ ዝሃቦ ርእይቶ ይኹን ተወሳኺ መብርሂ የለን።

ኣብቲ ምስ ኡጋንዳ ዝዋሰን ዞባታት ሰሜን ኪቩን ኢቱሪን፣ ወትሃደራዊ ምምሕዳር ኣዊጁ ዝርከብ መንግስቲ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ነቶም ብኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝፍለጡ ዕጡቓት ተቓወምቲ፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም ኣማኢት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ’ዩ ዝኸሶም።

ደማዊ ኵናት ሓድሕድ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣብ 2003 ኣብቂዑ ክሳብ ዝብሃል፣ ብሰንኪ ምትሕግጋዝ ምስ ሓድሕድ ተቓወምቲ፣ ኡጋንዳን ኮንጎን ጸላእቲ’የን ኔረን።

መበቆሉ ካብ ኡጋንዳ’ዩ ዝብሃል፣ ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ዝተባህለ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኪቩ ምንቕስቓስ ካብ ዝጅምር ክልትኤን ሃገራት ንምድምሳሱ ብሓባር ናይ ምስራሕ ድሌት ከምዘለወን ዘፍለጣ ድማ፣ ኣመሪካ ነቲ ዕጡቕ ሓይሉ ምስ እስላማውያን ሽበራውያን ጉጅለታት ምትእስሳር ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።

ሰራዊት ኡጋንዳ፣ ዶብ ሰጊሩ፣ ምስ ሰራዊት ኮንጎ ብሓባር ዘካይዶ መጥቃዕታት፣ ነቲ ድሮ’ውን ተኣፋፊ ዝኾነ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት፣ ናብ ሓድሽ ናይ ቅልውላው መድረኽ ከሰጋግሮ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ የጠንቅቑ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0