ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ሽዱሽተ ግዝያዊ መጽንሒ ማእከላት ዝርከቡ ልዕሊ 1500 ሓተትቲ ዑቕባ ዓመጽ ከምዝተኻየደ ተቓሊዑ

Radio Erena: 13 May 2021

ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ዑቕባ ንምሕታት፣ ኣብ ግዝያዊ መጽንሒታት ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ኣብ ልዕሊኦም ሓይሊ ዝተሃወሶ ዓመጽን ኣካላዊ ጎነጽን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ምግሃስ መሰላት ክካየድ ከምዝጸንሐ ማዕከን ዜና RTS ኣብ ዘካየደቶ መርመራዊ ጸብጻብ ኣቃሊዓ።

ሓተትቲ ዑቕባ ከእንግድ ተባሂሉ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ዝቖመ ሽዱሽተ ማእከላት፣ እቲ በደላትን ዓመጽን፣ በቶም ከም ኣባላት ሓለዋን ጸጥታን ኮይኖም ብናይ ብሕቲ ኩባንያታት ዝተቖጽሩ ሰራሕተኛታት ከምዝተፈጸመ’ዩ ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፣ እቶም ኣባላት ጸጥታ፡ ኣብቲ ማእከላት፣ ጸጥታ ከስፍኑ ዝተቖጽሩ ክንሶም፡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተጠቕሙ፣ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዑቕባ ከም ማህረምቲ፡ ጎነጽ፡ መቕጻዕቲ፡ ኣብ ኮተይነር ምእሳር፡ ዘለፋን ኣካላውን ስነ ኣምሮኣውን በደላት’ዮም ኣውሪዶም።

ኣብ 2020 ጥራይ ብድምር፣ ኣስታት 1500 ሓተቲ ዑቕባ በደል ከምዝበጽሖም ዝገልጽ ዝተፈላለየ ጥርዓናት ናብ ፈደረላዊ መንግስቲ ኣቕሪቦም’ዮም።

ኣብ ቡደን ዝተባህለ ማእከል ከም ኣብነት ዘቕረብ እቲ ጸብጻብ፣ ሓደ ሞሮካዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ኣብ እዋን ዛሕሊ ፣ መሞቒ ራድያቶር ኣብ ዘይብሉ ኮንተይነር ከምዝተዓጽወ ጠቒሱ።

ፈደረላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ልዕሊ እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ በደላት ምጽራይ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሰለስተ ማእከላት ዝሰርሑ ዝነበሩ 14 ሰራሕተኛታት ብኡ ንብኡ ካብ ስራሕ ሰጕጉ።

ብመሰረት ፈደራላዊ ሕጊ ስዊዘርላንድ፣ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ ማእከላት፣ ንዘጋጥም ባእሲ፣ ዕግርግር ይኹን ካልእ ዘይምርድዳእ ናብ ፖሊስ ብምድዋል ክሕብሩ ደኣ’ምበር፣ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዑቕባ ጎነጽ ኮነ ሓይሊ ክጥቀሙ መሰል የብሎምን።

ፈደረላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ኣብተን ሓተትቲ ዑቕባ ከተኣናግዳ ተባሂለን ኣብ 2019 ዝቖማ ሽዱሽተ ማእከላት፣ ኣብ 2020 ንሓለዋን ጸጥታን ጥራይ ኣስታት 59 ሚልዮን ኤውሮ ወጻኢ ከምዝገበረ ይገልጽ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0