ሱዳን፣ ሱ 35 ዝዓይነተን ዝተራቐቓ ነፍርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ትሽምት

ሱዳን፣ ሱ 35 ዝዓይነተን ዝተራቐቓ ነፍርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ትሽምት

Radio Erena: 27 November 2017

Su 35 Sudan

ሱዳን፣ ሱ-35 ዝዓይነተን ዝተራቐቓ ነፈርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ክትሽምት ምዃና ሓደ ካብ ኣገልግሎት ዜናታት ሩስያ፣ ሪያ ኖቮጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ንመግለጺ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ መራሕቲ ሱዳንን ሩስያን ኣብ ዝተራኸብሉ፣ ብዛዕባ ተወሳኺ መሸጣ ነፈርቲ ውግእ ብዝምልከት ከምዝተመያየጡ ኣረጋጊጻ።

ሓደ ሰሙን ቅድሚ መገሻ እቲ ፕረዚደንት ክልተ ሱ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ናብ ካርቱም ከምዝኣተዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሱዳን፣ ኤስ- 300 ዝዓይነቱ ረጸ ነፈርቲ፣ ሚሳይላትን ጸረ ነተጕትን ዝኣመሰሰሉ ኣጽዋር’ውን ተገዲሳትሎም ከምዘላ ፕረዚደንት በሺር ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሱዳን ንዝኾነት ሃገራት ንምጥቃዕ ዕላማ ከምዘይብላ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፣ ዕላማ እዚ ሸመተ፣ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ጥራይ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩስያ ኣብ ዝካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት፣ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብምርኻብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ወትሃደራዊ ዝምድናታተን ከደልድላ ከምዝተሰማምዓ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ስምምዕ፣ ሱዳን ተወሰኽቲ ወትሃደራዊ ልኡኻት ናብ ሞስኮ ክትሰድድ፣ ሩስያ ድማ ንሰራዊት ሱዳን ብዘመናዊ ኣጽዋር ከተዕጥቕ ዝብል ከምዝርከቦ ወትሃደራውያን ምንጭታት የመልክቱ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0