ሕቡራት ሃገራት ብዝገበሮ ምወላ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ቁሸት ዓጀርበብ ዝርከባ 368 ስድራቤታት ጸሓያዊ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ረኺበን

ሕቡራት ሃገራት ብዝገበሮ ምወላ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ቁሸት ዓጀርበብ ዝርከባ 368 ስድራቤታት ጸሓያዊ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ረኺበን

Radio Erena: 27 November 2017

UNDP Ajerbeb

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፣ ቁሸት ዓጀርበብ ዝርከባ 368 ስድራቤታት፣ ሕቡራት ሃገራት ብዝገበሮ ምወላ ጸሓያዊ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪሲቲ ከምዝረኸባ ቤት ጽሕፈት ወኪል ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ካብ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ኣዳፕተሽን ፉንድ ብዝተባህለ ፕሮጀክት ተመዊሉ ብምትሕብባር ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ዝተተኽለ ጸሓያዊ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ፣ ንነብርቲ ቁሸት ካብ ዝነበሮም ናይ ጸልማት ናብራን ሃልኪ ናይ ላምባን ዕንጨይትን ጸዓት ገላጊልዎም ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብታ ቁሸት ንእትርከብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ’ውን ሳላ’ዚ ጸሓያዊ ኤሌክትሪሲቲ፣ ንተማሃሮኣ ናይ ኮምፒተር ስልጠና ክትህብ’ውን ክሕግዛ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣዳፕተሽን ፉንድ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ጃፓን ኪዮቲ ኣብ 2001 ዝተኸተመ ስምምዕ ክሌማዊ ለውጢ ዝቖመ ፕሮጀክት ኮይኑ፣ ኣከባብያዊ ብክለን ብርሰትን ብዘየስዕብ መንገዲ ጸዓት ኣብ ምትእትታው’ዩ ዝነጥፍ።

ኣብ ኤርትራ፣ ዝኾነ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘይጸንሓ ቁሸት፣ ምሉእ ብምሉእ ብጸሓያዊ ኤለኢክትሪክ ንምሽፋና ከም ፕሮጀክት ዝመረጻ ቁሸት ከኣ ኣብ ዞባ ዓንሰብ፣ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ እትርከብ ዓጀርበብ’ያ።

ኣብ ቁሸት ዓጀርበብ ጸሓያዊ ኤሌክትሪሲቲ ኣብ 15 ሕዳር ብወግዒ ተመሪቑ ኣገልግሎት ኣብ ዝጀመረሉ፣ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ምስ ዝተፈላልዩ መወልቲ ኣካላት ብምዃን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሕርሻ፣ ጸዓትን፣ ትምህርትን ጥዕናን ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ከምዘሰላሰልን ተወሳኺ መደባት’ውን ከምዘለዎን ኣፍሊጡ።

ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት፣ ኣብ ኤርትራ ንዘካይዶ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ኣስታት 200 ሚልዮም ዶላር ምወላ ከምዝስልዕ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብምወላ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መሻርኽቲን ዝህነጽ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት፣ ብርእሰ ምርኮሳ ከምዝዓመሞ’ዩ ፕሮፖጋንዳታት ዘካይደሉ።

=============================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0