ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ እዩ

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ እዩ

Radio Erena: 26 November 2017

eu_au forumሓሙሻይ ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ኣይቮሪኮስት ከተማ ኣቢጃን ክካየድ እዩ።

እዚ ንዕለት 29ን 30ን ሕዳር ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ፣ መቐጸልታ ናይቲ 10 ዓመታት ኣቑጺሩ ዘሎ ዝምድና ኣባል ሃገራት ክልቲኡ ሕብረታት ንምድልዳል ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብዚ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ዝምድና ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንምድልዳል ዝካየድ ዋዕላ፣ ኣብ ናይ 2017 ኣተኩሮኡ፣ ወፍሪ ኣብ መንእሰያት ኣፍሪቃ ዝጠመተ ከምዝኸውን፣ ኣዳለውቲ’ቲ ዋዕላ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ኣብዚ ንዕለት 29ን 30ን ሕዳር ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ፣ ሰላምን ጸጥታን፣ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ጉዳይ ስደት፣ ወፍርን ንግድን ዝብሉ ዛዕባታት ክዝተየሎም ምዃኑ ይግለጽ።

ከምኡ’ውን ሻዱሻይ ዋዕላ ቢዝነስ ኣፍሪቃ ንዕለት 29 ሕዳር ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ዋዕላ ቢዝነስ ኣፍሪቃ’ውን ቀንዲ ኣተኩሮ ዝግበረሉ ጉዳይ መንእሰያት ክኸውን እንከሎ፣ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ኣብ ወፍርን ንግድን ንኽሳተፉ ምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራት ብውልቅን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ልምዓታዊ ሓገዝ ከምዘበርከታ እየን ዝገልጻ። ኣብ 2016 ፊስካላዊ ዓመት፣ 21 ቢልዮን ዩሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ንሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተለገሰ፣ ብራስለስ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝውዕል እውን 1.4 ቢልዮን ዩሮ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንሃገራት ኣፍሪቃ ተለጊሱ እዩ።

==============================  

COMMENTS

WORDPRESS: 0