ሱዳን፣ ምስ እስራኤል ዝጀመረቶ ዝምድና ኣብ ሓደ ወርሑ ከተቋርጾ ከምእትኽእል ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 03 December 2020

መንግስቲ ሱዳን፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ እስራኤል ዝጀመሮ ዝምድና ከቛርጾ ከምዝኽእል ንዝተፈላልዩ ምንጭታት ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ታይምስ ኦፍ እስራኤል ገሊጹ።

ሱዳን ብመንጎኝነት ምምሕዳር ትራምፕ ምስ እስራኤል ዝጀመረቶ ዝምድና፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሑ ከተቛርጾ ከምእትኽእል ትገልጽ ዘላ፣ ኣመሪካ፣ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት፣ ካብ መዝገብ ሽበራ ዝውምላ ሃገራትን ምስኡ ምትሕሓዝ ዘለዎ እገዳታትን ከተልዕሎ ብምጥላብ’ያ።

እስራኤል ብመንጎኝነት ምምሕዳር ትራምፕ፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬንን ሱዳንን ታሪኻዊ ዝምድና ከምዝመስረተት ዝፍለጥ’ዩ።

ዝቕጽል ዝምድናታታ ድማ ምስ ስዑዲ ዓረብን ጂቡቲን’ዩ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ግና፣ ሱዳን ብመብጽዓታት እቲ ስምምዕ ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ይቃላሕ ኣሎ።

እስራኤልን ሱዳንን ኣብ ዘካየድኦ ስምምዕ፣ ብዘይካ’ቲ ሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ክትስረዝን እገዳ ክልዓልን ዝብል ነጥብታት፣ ሱዳን ብወገና ንእስራኤል ወግዓዊ ኣፍሎጦ ክትህብን ኣብ ቁጠባ፣ ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ኢምግሬሽንን ወትሃደራዊን መደዳያት ድማ ናይ ምትሕግጋዝ ተኽእሎታት ክህሉን ዘጠቓለለ’ዩ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0