መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተሰማሚዑ

Radio Erena: 03 December 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብቲ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ትግራይ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ምስ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ነቲ ኣህጉራዊ ውድብ ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ፣ 02 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብመሰሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ኣብ ትግራይ ህጹጽ መግብን መድሃኒታትን ንዘድልዮም ሓገዝ ክባጻሕ’ዩ።

እቲ ምብጽጻሕ መዓስ ከምዝጅምር ግና ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሮ ኵናት ኣስታት ሓደ ወርሑ ኣቝጺሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ቆልዑ ዝርከብዎም ነበርቲ’ቲ ዞባ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ብወርሓዊ መቑነን ሕቡራት ሃገራት ክእለዩ ዝጸንሑ ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ካብቶም ህጹጽ ቆላሕታ ዘድልዮም ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0