ሱዳን፣ ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ትቕጽል

Radio Erena: 17 January 2017

Borer pat

መንግስቲ ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ከተግብሮ ዝጸንሐ ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ይቕጽሎ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተቐየዱ 10ታት ኤርትራውያን ናብ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ ከምዘረከበት ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን’ውን ከይትመልሶም ተሰጊኡ ምህላዉ ሓቢሮም።

ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፈጸመ ኣዛዚ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን ጀነራል መሓመድ ዓጣ ኣልመውላ ዓባስ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካውን ጸጥታን ኩነታት ዘካየድዎ ዝርርብ፣ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ብዶብ ሱዳን’ውን ዘትዮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

እታ ሃገር፣ ምስ ኢጣልያ፣ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብዝኣተወቶ ውዕላት መሰረት፣ መሰል ስደተኛታት እናገሃሰት፣ ኤርትራውያን እናገፈፈት ትቕይድ ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣማኢት ካብዞም በብእዋኑ ዝገፈፈቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሰቶም ሕቡራት ሃገራት ካብ ካርቱም ምርግጋጹ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ንምቕያድ፣ ኣብቲ ምስ ሊብያ ዘዋስን ከባቢታት ሰሃራ፣ ምስ ኣዕራብ ጃንጃዊድ ምትእስሳር ዘለዎም ሚሊሻ ኣዋፊራ ትርከብ።

እቲ ሓይሊ ሚሊሻ ኣብ ሰነ 2016 ካብ ዝዋፈር፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብውሕዱ 1500 ስደተኛታት ቀይዱ ናብ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣረኪቡ ኣሎ።

ዝበዝሑ እዞም ናብ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝተረከቡ ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ’ዮም ዝርከቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0