ትልሂት ንምቕራብ ናብ ኣውስትራልያ ካብ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ህግደፍ፣ ስዒድ ዓብደላ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፉ

Radio Erena: 17 January 2017

Said Abdella

ኣብ ኣውስትራልያ፣ ሙዚቃዊት ትልኢት ንምቕራብ ካብ ዝኸደት ጉጅላ ባህሊ ህግደፍ፣ ህቡብ ድምጻዊ ስዒድ ዓብደላ ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ከምዝተረፈ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ብቋንቋ ትግረ ካብ ዝልሃዩ ህቡባዊ ኤርትራውያን ድምጻውያን ሓደ ዝኾነ ስዒድ ዓብደላ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባርን ኣባል ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ዝነበረ’ዩ።

እታ ዳዊት ሽላንን ስዒድ ዓብደላን ዝርከብዎም ድምጻውያን ዘጠቓለለት ጉጅለ ባህሊ፣ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ከተማ ሜልቦርን ንዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ሰሚናር ንምክያድ ናብታ ሃገር ንዝኣተወ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣሰንያ’ያ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኤርትራ ተበጊሳ።

 ================

COMMENTS

WORDPRESS: 0