ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ሪያል ማድሪድ ክጽንበር’ዩ

Radio Erena: 17 January 2017

Alex

ኣብ ታሪኽ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሽወደን ብዕድመ ዝነኣሰ ተጻዋታይ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መበል 17 ዓመትን 109 መዓልታትን ዕድሚኡ ኣንጻር ኣይቮሪኮስት ዝተሰለፈ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፣ ዓባይ ክለብ ሪያል ማድሪድ ምስኣ ክትጽንብሮ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ይግለጽ ኣሎ።

ብ“ናይ መጻኢ ዝላታን” ዝፍለጥ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፣ ምስዛ ዓባይ ስጳኛዊት ክለብ ንምጽንባር ዝተበጽሐ ናይ ገንዘብ ውዕል 10 ሚልዮን ኤውሮ ምዃኑ’ውን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ስፖርት ይጠቕሳ።

ተጻዋታይ ክለብ AIK ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ሪያል ማድሪድ ንምጽንባር፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውዕል ክፈራረም እዩ።

 ኣሌክሳንደር ዝሓለፈ ሓሙስ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ዝነኣሰ ኣመዝጋቢ ሸቶ ብምዃን ናይ ልዕሊ 100 ዓመት ክብረወሰን ኣመሓይሹ ይርከብ።N

 

NB: ንምሉእ ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና፣ መደብ ስፖርት ተኸታተሉ፣

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0