ሱዳን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምድጋፍ ክዋፈር ካብ ዝተመደበ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ካርቱም ኣትዩ

Radio Erena: 06 August 2020

ኣብ ሱዳን፣ ናብ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ንምስግጋር፣ ንግዝያዊ መንግስቲ ንምሕጋዝ ክዋፈር ካብ ዝተመደበ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ናብ ካርቱም ከምዝኣተወ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ኣፍሊጡ።

እቲ ብስቴፈን ማኮየር ተመሪሑ ናብ ካርቱም ተዋፊሩ ዘሎ ንኡስ ጉጅለ፣ ኣብ ምሕንጻጽ መደባት ናይቲ ን12 ኣዋርሕ ኣብ ሱዳን ክጸንሕ ምዃኑ ተመዲቡ ዘሎ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ክነጥፍ’ዩ።

እቲ ጉጅለ፣ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲን ፈጸምቲ ኣካላትን ብምርኻብ፣ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ንጥፈታቱ ዘካይደሉ ኣገባባት ብምዝልከት ክመክር’ዩ።

ምስግጋር ደሞክራሲ ሱዳን ኣብ ምሕጋዝ ዝዋፈር ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ ሰነ 2020 ኣብ ስራሕ ክዋፈር እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከምዝተደናጎየ’ዩ ተሓቢሩ።

ሱዳን፣ ድሕሪ ውደቀት ስርዓት በሺር፣ ብወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን ዝተማእከለ መሰጋገሪ መንግስቲ ቆይሙ፣ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ብህዝቢ ንዝተመርጸ መንግስቲ ስልጣኑ ከረክብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብቲ ግዝያዊ መንግስቲ፣ ኣብ መንጎ’ቲ ወትሃደራዊ ጉጅለን በርጌሳዊ ወገንን ዘይምትእምማን ስለዝተፈጥረ፣ ኣብ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ሕቡራት ሃገራት ክሕግ ብዝቐረበ እማመ መሰረት’ዩ፣ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0