ኣመሪካ፣ ንኢትዮጵያ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ዝሕግዛ ናይ ልዕሊ 70 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 06 August 2020

ኣመሪካ፣ ኢትዮጵያ ንእትገብሮ ዘላ መኸተ ኮረና ቫይረስ ንምሕጋዝ ልዕሊ 70 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ኣበርኪታ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ ዝተለገሰ ሓገዝ፣ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ንዝኣትዉ ሰባት ዘገልግላ 250 መተንፈሲ ማሺናት (Ventilators) ዘጠቓለለ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ብብዝሒ መልከፍቲ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሻብዓይ ደረጃ ሒዛ’ያ ትርከብ።

ኣብታ ሃገር፣ ዛጊት ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ብኮረና ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፣ ኣስታት 26 ድማ ምስቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ህይወቶም ሓሊፉ።

==============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0