ቱርኪ ኣስታት 16 ሽሕ ወትሃደራት መንግስቲ ሶማል ከተሰልጥን’ያ

Radio Erena: 06 August 2020

ቱርኪ፣ ኣስታት 16 ሽሕ ወትሃደራዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንምስልጣን ትሰርሕ ከምዘላ፣ ኣብ ሞቛድሾ ዝርከብ ኣምባሳደር እታ ሃገር መህመት ይልማዝ ንኣገልግሎት ዜና ኣናዱሉ ሓቢሩ።

እታ ሃገር፣ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዘቖመቶ፣ ‘ቱርኪሶም’ ዝተባህለ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ዛጊት ኣሽሓት ወትሃደራት ኣሰልጢና ከምዘላን፣ ብሕጂ’ውን ተወሰኽቲ ኣሽሓት ናይ ምስልጣን መደብ ከምዘለዋን እቲ ኣምባሳደር ኣረጋጊጹ።

ዝምድና ቱርኪን ሶማልን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዘይኮነ ዘነጸረ እቲ ኣምባሳደር፣ ኣብ ቁጠባን ንግድን ዝተጀመሩ መደባት ከምዘለዉ’ውን ጠቒሱ።

ቱርኪ፣ ብዘይካ’ቲ ኣቐዲማ ኣብ ቐጠር ዘቖመቶ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ካብ ሃገራ ወጻኢ፣ ቀዋሚ ሰራዊት ከተዋፍር እዚ ናይ ሶማል ካልኣይ’ዩ።

ምቛም ወትሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ ኣብ ሶማል፣ ንብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንዝምርሓ ሓያሎ ሃገራት ዓረብ፣ ስግኣት ከምዝፈጥረለን ተንተንቲ የረድኡ።

ግብጺ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ትሰርሕ ከምዘላ ዝሓለፈ ሰሙን ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ቱርኪ፣ ንመንግስቲ ሊብያ ንምሕጋዝ ሰራዊታ ናብ ሊብያ ብወግዒ ልኢኻ ትርከብ።

ሱዳንን ግብጽን ብኣንጻሩ፣ ነቲ ብጀነራል ሓፍታር ዝምራሕ ሓይሊ ከምዝድግፋ ዝተፈላለዩ ወገናት የመልክቱ።

ቀጠር፣ ንቱርኪ ክትድግፍ እንከላ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ድማ ንግብጺ ይድግፋ ኣለዋ።

እዚ ብሃገራት ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ውክልና ምትእትታው፣ ንሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ምክፍፋልን ምትፍናንን ከምርሐን ከምዝኽእል’ዩ ዝጥቀስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0