ሱዳን፣ ሕማቕ ሸሮኽ ዳግማይ ይቀላቐል

Radio Erena: 11 November 2019

ኣብ ሱዳን፣ ዞባታት ብሉ ናይልን ሰናርን፣ ካብ 2 መስከረም ኣትሒዙ332 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከምዝተጠቕዑ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ ከምዝሕብሮ፣ ዛጊት 8 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ካርቱም ክልተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም።

ኣስታት 8 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን፣ ሕማም ሸሮኽ ጸጸኒሑ ይቀላቐላ ብምህላዉ፣ ናብ ከቢድ ለብዒ ከይሰግገር ኣሻቓሊ ጉዳይ ምዃኑ ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሱዳን ዶ/ር ንዕማ ኣል ጋሰር ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጻ።

ንሳ፣ ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን፣ ከም ሸሮኽ ዝኣመሰለ ተላባዒ ሕማማትን ካልእ ባህርያዊ ሓደጋታትን ንምምካት፣ መንግስቲ ምስ ዘሎ ዝተፈላለየ ሕጽረታት በይኑ ዝኽእሎ ጉዳይ ከምዘይኮነ ኣገንዚባ።

ምስዚ ተተሓሕዚኡ፣ ኣብ ምክልኻልን ፍወሳን ሕማም ሸሮኽ፣ ንቅሓት ህዝቢ ኣብ ምስፍሕ ዝዓለመ 1700 ወለንተኛታት ኣብ መላእ ሱዳን ተዋፊሮም ከምዘለው ብተወሳኺ ሓቢራ።

ኣብ ዓመተ 2016፣ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ እዚ ሕማም፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ብሕጋዊ መንገዲ ዝካየድ ዝነበረ ምስግጋር ሰብን ኣቑሑን ንዝተወሰነ እዋናት ደው ኢሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ከም ዝኽሰት ዝፍለጥ ሕማም ሸሮኽ ብሰንኪ ረሳሓ ማይ፣ ጽሬቱ ዘይሓለወ ኣከባብን ኣጠቓቕማ ዓይኒ ምድርን ዝስዕብ ሕማምዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0